Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን እስራኤልን ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እስራኤል ዘሎ ምትሕብባር ኢንቨስትመንትን ንግዲን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ዘድሃበ ልዝብ ተሳሊጡ፡፡

እቲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቴልኣቪቭ ምስ ትካል ለኣኽቲን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንግዲን እስራኤል ብምትሕብባር ዝተሳለጠ ኢዩ።

ኣፍቲ መድረኸ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ድሌት ዘለዎም ሰብ ዋና ሓደሽቲ ኩባኒያታትን ኣመራርሓታትን ተሳቲፎም፡፡

ሓላፊት እቲ ትካል ሳቢን ሴጋል፥ እቲ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንትን ንግዲን ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ክሊ ስረሖም ዘልዕሉዎም ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክብ ንምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር ምስጋና ኣቕሪበን።

ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ዓለሙ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ቱሪዝምን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያን እስራኤልን ጥንኩር ታሪኻዊን መንፈሳዊን ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ እቲ ምትእስሳር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምጥንኻር ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ኣምባሳደር ረታ ኣለሙ ኣብ መብርሂኦም፥ መንግስቲ ብኢንቨስተሮራት ዝለዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ ብውዳበ፣ ብሕጊን ኣሰራርሓን ንምምሕያሽ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ብምሕባር መፍትሒ ንመሃብ ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ዝገበሩ ሰብ ሃፍቲ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.