Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን እስራኤልን ሓደሽቲ መገዲ ምትሕብባር ንምፍጣር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ኢኮኖሚን ኢንዱስትሪን እስራኤል ኒር ባርካት ተዛትዮም፡፡

ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ዘላቒ ዕብየት ከምኡዉን ስግግር ፍልጠትን ሓበራዊ ምዕባለን ጠመተ ብምግባር ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያት ዘትዮም፡፡

ክልቲኦም ወገናት ልዑል ምትእስሳር ንግድን ኢኮኖሚን ንምምስላጥ ሓደሽቲ መገዲ ምትሕብባር ንምፍጣር ተስማዕሚዖም፡፡

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ዘሎ ሪፎርም ኢኮኖሚ ስዒቡ ዕድላት ኢንቨስትመንት ከምኡውን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ፈጠራ ስራሕን መማረፂ ተሓዳሲ ሓይሊን ምችዉ ኩነታት ምፍጣሩ ገሊፆም፡፡

 

ኢትዮጵያ ኩነታት ንግዲ ንምምሕያሽ ኢንቨስተራት ወፃኢ ንምስሓብ እተካይዶ ዘላ ፃዕሪ ብዝምልከት ንልኡኽ ቢዝነስ እስራኤል መብርሂ ምግባሮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ  ሓበሬታ የረደእ፡፡

ኒር ብግዲኦም÷ ኩባንያታት እስራኤል ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ግዲኦም ንከበርክቱ ደገፍ ከምዝገብሩ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.