Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣዘርባጃን ኣብ ዓውዲ ፀፅታን ድሕንነትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላሉ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ  ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኣዘርባጃን ኣብ ዓውዲ ሓበሬታ፣ ፀፅታን ድሕንነትን ሓበራዊ ህንፀት ዓቕሚ ምትሕብባርን ነተን ሃገራት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ካልኦት ፕሮጀክታትን ብሓባር ንምፍፃም ተስማዕሚዐን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኣዘርባጃን ኮሎኔል-ጀነራል ኢይቫዞቭ ቪላያት ሱለይማን ዕዉት ዘተ ምግባሮም ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ጉዳያት ድሕንነት ሓዊሱ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኣዘርባጃንን ንምጥንኻር ዘኽእሉ ኣብ ቀፀልቲ ስራሕቲ ከምዝዘተዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

“ኣብ ዓውዲታት ሓበሬታ፣ ፀፅታን ድሕንነትን ሓበራዊ ህንፀት ዓቕሚ ምትሕብባርን ነተን ሃገራት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ካልኦት ፕሮጀክታትን ብሓባር ንምፍፃም ተስማዕሚዕና” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.