Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣልጄሪያን ኣብ ዓውዲ ፋርማሲዩቲካልስ ኢንዱስትሪ ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣልጀሪያ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ምስ ሚኒስትር ፋርማሲዩቲካልስ ኢንዱስትሪ ኣልጀሪያ ዶክተር ሎፍቲ ቤነብ ኣሕመድ ኣብቲ ዓውዲ ብምትብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ ርክብ ፖለቲካ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ነብያት፥ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ግን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፋርማሲዩቲካልስ ኣብዝሓ ድልረት መድሓኒት እተማልኦ ካብ ወፃኢ ዓዲ ብዝኣቲ ፍሪያት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ፍሪያት ንምዕባይ ኩባኒያታት ወፃኢ መዋእለ ንዋየን ንከፍስሳ ዘኽእል ፖሊስን ስትራቴጂን ብምቕራፅ ኣብ ኢትዮጵያ መንደር ፋርማሲ ኢንዱስትሪ ብምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ኣልጀሪያ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝተዋፈሩ ትካላት ብምትሕብባር ብምስራሕ፣ ኣብ ምፍራይ ናውቲ ፋርማሲዩቲካልስን መድሓኒትን እታ ሃገር ዘለዋ ልዑል ልምዲ ንትካላት ኢትዮጵያ ንምክፋል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ብግደኦም፥ ሃገሮም ኣብ ምፍራይ ናውቲ ፋርማሲዩቲካልስን መድሓኒትን ዘለዋ ልዑል ልምዲ ንትካላት ኢትዮጵያ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈራ ኩባኒያት እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ዓውዲ ንክዋፈራ ንምግባር በቲ ሚሲዮን ኣቢሉ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዝድግፉ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.