Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኩሉ ታሪኽና ታሪኽ ተዓዋታይነት ኢዩ – ኣይተ መለስ ኣለሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፅምበሩ መናእሰይ ምፍናው ተገይሩ፡፡

“ኣነ እናሃለኹ ኢትዮጵያ ኣሕሊፈ ኣይህብን!” ብዝብል መሪሕ ቃል ካብ ክፍለ ከተማ የካ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፅምበሩ መናእሰይ ስነ-ስርዓት ምፍናውን ስነ-ስርዓት ምረቓ ሰላምን ፀፅታን ከባቢኦም ንምሕላው ስልጠነኦም እናተኸታተሉ ዝነበሩ ህዝባዊ ሰራዊትን ተኻይዱ፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተተግበረ ሽርሒ ምፍራስ ሃገር ፊት ንፊት ብምግፋጥ ናፅነትና ሓሊና ክንቅፅል ኢና፤ ነዚ ብምግንዛብ ደድማ መላእ ነባሪ እታ ከተማ እናሃቦ ዝርከብ ኩለመዳይ ምላሽ ዝነኣድ ከምዝኾነ፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ መለሰ ኣለሙ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኩሉ ታሪኾም ታሪኽ ተዓዋታይነት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ “ኢትዮጰጵያ ብኣና ዘመን እውን ክብራን ናፅነታን ተሓሊዩ ክቕፅ ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ናይ ሕሶት ወረን ፕሮፓጋንዳን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ቦታ የብሉን ዓቕሚ ኢትዮጵያ ሓቂን ሓቂን ጥራሕ ስለዝኾነ ዓወትና ቀረባ ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.