Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ቀጣናዊ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ዝገብርኦም ስራሕቲ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ቀጣናዊ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ዝገብርኦም ስራሕቲ ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፀን።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትንን ትካላት ደሕንነት ወፃኢ ኡጋንዳን ኣብ ቀጣናዊ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብሓባር ዝሰርሕዎም ዘለዉ ስራሕቲ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገምጊሞም።

እቶም ትካላት ቅድም ክብል ኣብ ቀጣና ምብራቕ ኣፍሪካ  ስግኣት ፀፅታን ድሕንነትን ዝኾኑ ግብረ ራዕዲነት፣ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት፣ ዘይሕጋዊያን ዕጡቓትን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ንምክልኻል ከልቲኣዊ ስምምዕነት ምግባረን ይዝከር።

ነዚ ስምምዕነት ብምትግባር ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ቀፃሊ ምጥንኻር ዝግበኦም ጉዳያትን ብዝርዝር ከምዝተዛተዮ ተገሊፁ።

ኣብ ቀጣናዊ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ብምትሕብባር ዝግብሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.