Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኔዘርላንድን ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪን ሕርሻን ዝገብረኦ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንብዙሓት ዜጋታት ተረባሕቲ ገይሩ – ሚኒስቴር ገንዘብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኔዘርላንድን ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪን ሕርሻን ዝገብረኦ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንብዙሓት ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝገብ ሚኒስቴር ገንዘብ ገሊፁ።

ካብ ሚኒስቴር ገንዘብን ኔዛርላንድስን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ኣብ ከባቢታት ዱከም፣ ቢሾፍቱን ሞጆን ብኢንቨስተራት ኔዘርላንድ እናተሳለጡ ዝርከቡ ልምዓታት ኣትክልቲን ፍረምረን ኣግሮ ኢንዱስትሪ ጎብኒዮም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ወይዘሮ ሰመሬታ ኣብ እዋን እቲ ዑደት ከምዝበለኦ፥ መንግስቲ ኔዘርላንድስ እናሃቦ ብዝርከብ ሓገዝ ምትሕብባር ልምዓት ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ሕርሻ ኣብ ምዕባይን ኣብ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ብፍላይ እውን ኣብ ውፅኢታት ፀባን ልምዓት ኣትክልቲን ፍረምረን ብዙሓት ዜጋታት ተረባሕቲ ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ምክትል ኣምባሳደር ቲጅስ ውድስታር ብግደአን፥ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኔዘርላንድን ነዊሕ ዓማውቲ ዘቑፀረ ከምዝኾነን ኔዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ 10ይቲ ዝዓበየት ኢንቨስተር ከምዝኾነትን ብምሕባር ኣብ ዘፈር ልምዓት ኣትክልቲን ፍረምረን ውፅኢታዊ ከምዝኾ ተዛሪበን፡፡

ኣብቲ ዑደት ብሓገዝ ገንዘብን ቴክኒክን ትካል ልምዓት ኔዘዘርላንድ ኣብ ልምዓት ፈልሲ ኣቮካዶን ልምዓት ውፅኢት ፀባን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሐኦ ብርኪ ዝተጎብነየ እንትኸውን፥ ብዝስርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑን ናብረኦም እናተመሓየሸ ምምፅኡን ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ን163 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሚኒሰስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.