ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ክልተኣዊ ርክባት ንምጥንኻር ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ናብ ዝነዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ኣብ ዘኽእሉ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ምክልኻል፣ ባህልን ቱሪዝምን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰነድ ስምዕነት ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕነት ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝፀንሐ ሳልሳይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮጵያን ናይጄሪን ኢዩ።
እቲ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውልን ብወገን ናይጄሪያ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዳይሬክተር ጄነራል ክልተኣዊ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሁመር ዘናባ ተፈራሪሞምዎ።
እቲ ሰነድ ስምምዕነት ብዙሕ ዓማውቲ ዘቑፀረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምዕራፍ ዘሰጋግር ከምዝኾነ ኣምባሳደር ፍስሃ ሻውል ገሊፆም።
ራብዓይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ኣብ ናይጄሪያ ከተማ ኣቡጃ ከምዝካየድ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።