Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ግብረ ራዕዲ ንምውጋእ ብሓባር ይሰርሓ ኣለዋ – ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሊያን ግብረ ራዕዲ ንምውጋእ ብሓባር እናሰርሓ ምዃነን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ኣብሽር ኦማር ሁሩሲ ገሊፆም።

ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካእናተሳተፉ ዝርከቡ እቶም ሚኒስትር፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር እናሰርሓ ከምዝኾና ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ከምኡ እውን ብዙሓት ታሪኻዊን ባህላዊ ክብሪታትን ዝካፈላ ከምዝኾና ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ጥንኩር ርክብ ዘለወን ከምዝኾና ብምሕባር እቲ ርክብ ቀፃልነት ንኽህልዎ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ጎድና ጎድኒ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒትር ጉዳያት ወፃኢን ፌፌሪኢ ደመቀ መኮንን ውፅታዊ ዘተ ከምዝገበሩ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrignahttps://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.