ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዘካየድኡ ስምምዕነት ጠመተ ብምግባር ይላዘባ ኣለዋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዘካየድኡ ስምምዕነት ጠመተ ብምግባር ይላዘባ ከምዘለዋ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነቢያት ጌታቸው፥ ምስ ሶማሊያ ዝተኸተመ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ቀፃልነት ዘለዎ ዘተ ይግበሩ ኣለዉ ኢሎም።
እተን ሃገራት ርክበን ንምጥንኻርን ሓበራዊ ፀላኢአን ዝኾነ ገብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ንምቅላስን እቲ ቀጣና ካብ ግብረ ራዕዲ ንምፅራይ ስምምዕነት ምግባረን ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ሶማሊያ ድሕሪ ኣሚትስ ዝህሉ ምውፋር ሓይሊ ጠመተ ዝገበሩ ዘተታት የግበሩ ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘህልዋ ግደ ነቲ ቀጣና ይኹን ንሰላም ዓለም ኣድላዪ ከምዝኾነ ትኣምን ኢሎም።
ዘተ እተን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ላዕለዎት ሰብ መዚ ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
ብውብርስት ተሰማ