Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሶማሊያን መፍትሒታት ንምርኣይ ዝዓለሙ ዘተታት ንምቕፃል ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሊያን እወንታዊ ጉርብትናን ቀጣናዊ ምርግጋዕን ኣብ ግምት ብምእታው መፍትሒታት ንምርኣይ ዝዓለሙ ዘተታት ንምቕፃል ምስምዕምዐን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብኣመዓራራይነት መንግስቲ ቱርኪ ዝተሳለጠ ዘተ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ዝጠመተ መግለፂ ሂቡ።

ኣብቲ መግለፂ፥ ብኣንጋዳይነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሪፐብሊክ ቱርኪ ሃካን ፊዳን 24 ሰነ 2016 ዓ.ም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ኣሕመድ ሞኤሊም ፊቂ ኣብ ኣንካራ ብምርኻብ ምዝታዮም ተገሊፁ።

እቲ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ዘይምርድዳኣት መፍትሒ ከምፅኡ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ግልፅን ሕው#ነት ዝተመልኦን ልውውጥ ሓሳብ ዝተገበረሉ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ከልቲኦም ሚኒስትራት ነቶም ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ብሰለማዊ መገዲ ዕልባት ንምሃብ ቁርፀኝነት ከምዘለዎም ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ቱርኪ ነቲ ዘተ ብምምዕርራይ ንዝነበሮ ግደ እቶም ሚኒስትራት አመስጊኖም።

ክልቲኦም ሚኒስትራት እወንታዊ ጉርብትናን ቀጣናዊ ምርግጋዕን ኣብ ግምት ብምእታው መፍትሒታት ንምሃብ ዝዓለሙ ዘተታት ንምቕፃል ተስማዕሚዖም።

ብመሰረት እዚ ካልኣይ ዙር ዘተኦም 27 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ንምቕፃል ምስምዕመዖም ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.