Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ኢነርጂ ዘለወን ምትሕብባር ርክበን ንምጥንኻር ኣብ ምርድዳእ በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ይበልጣል አእምሮ ምስ ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ኢነርጂን መዓድንን ሱዳን መሓመድ ዓብደላ መሓሙድ ተራኺቦም ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክግበር ብዛዕባ ዝዝግበኦ ምትሕብባር ኣመልኪቶም ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ዘሎ ዓሚቕ ናይ ምትሕብባር ዓቕሚ ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ንሱዳን እናቕረበቶ ትርከብ ጠለብ ኤሌክትሪክ ተመያይጦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኢትዮጵያ ንሱዳን ብዛዕባ ተቕርቦ ተወሳኺ ሓይሊን ዝርገሐ መስመርን ተተሓሒዙ እናተሳለጡ ብዛዕባ ዝርከቡ ተግባራት ብምልዓል ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዓውዲ ዝግበር ምትሕብባር ንምጥንኻርን ብሓባር ተቐራሪብካ ንምስራሕን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.