Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮሪያን ኢኮኖሚያዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምሕያል ቃል ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮሪያን ኢኮኖሚያዊን ፋይናንሳዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምሕያል ቃል ኣቲየን።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ተተካኢ ምክትል ሚኒስትር ኢኮኖሚን ፋይናንስን ሪፐብሊክ ኮሪያ ኪም ባይንግ-ህዋን ዘቲዮም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ እተን ሃገራት ብደም መስዋእትነት ዝተመስረተ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪካዊ ርክብ ከምዘለወን ኣዘኻኺሮም።

ሪፐብሊክ ኮሪያ  ምስ ኢትዮጵያ ናይ 1 ቢሊየን ዶላር ስምምዕነት ፋይናንስ ብምኽታማ አመስጊኖም።

ሪፐብሊክ ኮሪያ ነቲ ደገፍ ገንዘብ ክብ ንክተብል ዝሓተቱ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ 126 ሚሊየን ህዝቢ ዘለዋ፣ ስሉጥ ኢኮኖሚያዊ ምስፍሕፋሕ እተርእይ ዘላን ኣብ ምምሕያሽ ፋይናንስ ከምእትርከብን ሓቢሮም።

ኣይተ ኣሕመድ፥ ዝምድናታት ገንዘብን ኢኮኖሚን እታ ሃገር ናብ ዝሓሸ ብራኸ ንምብፃሕ ቃል ኣቲዮም።

ኪም ባይንግ-ህዋን ብግደኦም፥ ርክብ ፋይናንስን ኢኮኖሚን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምሕያል ቃል ኣቲዮም።

ሃገሮም ንኢትዮጵያ ተወሳኺ ደገፍ ገንዘብ ንምግባር ባህጊ ከምዘለዋ ምሕባሮም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሪፐብሊክ ኮሪያ ዝወዘዖ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.