Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሩሲያን ክልቲኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ምክትል ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሬሽን ሩሲያ ሚካሂል ቦግዳኖቭን ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ሃገራዊ፣ ቀጣናዊን ኣህጉራዊን  ጉዳያት ፀፅታ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክባት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት እውን ከምዝተላዘቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ ብሪክስ ዘሎ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ ምግላፁ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.