Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ጉዳያት መረዳእታን ድሕንነትን ዝገብርኡ ምትሕብባር ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ጉዳያት መረዳእታን ድሕንነትን ከምኡውን ካልኦት ዓውዲታት ዝገብርኡ ኩለ መዳይ ምትሕብባር  ምትሕብባር ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ጄኔራል ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሩሲያ ምስ ዝኾኑ ኢያቭገኒ ተርኪን ኣብ ክሊ ከልቲኣዊ ርክብ ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ናይ ነዊሕ ዓማውቲ ናይ ታሪክን ባህሊን ምትእስሳር ዘለወን ከምዝኾና ብምዝኽኻር፥ እዋናዊ ፈተና ኢትዮጵያ ንምሽጋር ሓገዝ ኣብ ዘድሊዩ ዓውዲታት ዘሎ ምትሕብባር ኣጠናኺረን ንምቕፃል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ነፃን ገለልተኛን ከምኡውን ዓለም ለኸ ደረሽኡ ዝሓለወ ፕሮፌሽናል ትካል ንምህናፅ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ምስ ሩሲያ ዝገብሮ ምትሕብባር ዓቕሚ ከመዝፈጥረሉ ኣይተ ተመስገን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢያቭገኒ ተርኪን ብግደኦም፥ ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዝነበረት ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፆም።

በፍላይ እተን ሃገራት ኣብ መረዳእታን ድሕንነትን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት ይፍፅማ ከምዘለዋ ሓቢሮም ክብል ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።

ሩሲያ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ መቐመጢ ካብ ዘለወን ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ኢያ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.