Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዘፈራት ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝነበረን ምትሕብባርን ውዕሊታትን ንምሕዳስን ንምትግባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ ንሴናተር ፓርላማ ፌዴሬሽን ሩሲያ ኢጎር መሮዞቭ ኣብ ቤት ፀሕፈቶም ተቐቢሎም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ዓመትን ሓምሳን ዝዘለቐ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘፈር ቴክኖሎጂ ክቕፅል ከምዝግባእ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ንሴናተር ፓርላማ ፌዴሬሽን ሩሲያ ኢጎር መሮዞቭ ብግደኦም፥ ሃገሮም ኣብ ዓውዲታት ቴክሎጂ ጠፈር፣ ህንፀት ቴክኖሎጂያዊ ከተማ፣ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ኣገልግሎት ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽንን ዘለዋ ዝኻዕበተ ልምዲ ንምክፋል ድልውቲ ምዃና ኣብሪሆም፡፡

ፍርያት ኒውክሌር ንሰላማዊ ኣገልግሎት ምምዕባልን ምጥቃምን ከምዝከኣል ዝገለፁ እቶም ሴናተር፥ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ፍልጠት እውን ከካፍሉ ከምዝደልዩ ሓቢሮም፡፡

ሴናተር ኢጎር፥ ዶክተር በለጠ ሞላን ኣመራርሐኦምን ኣብ ሞስኮ ተረኺቦም ልውውጥ ልምዲ ንኽገብሩ ዕድመ ከምዘቕረቡምሎ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.