Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ሃበራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሞዛምቢክን ኣብ ሃበራዊ ክልተኣዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ምስ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሪፐብሊክ ሞዛምቢክ ላውሪን ፍራንሲስኮ ተዛቲዮም፡፡

ቀንዲ ትሕዝቶ ልዝቦም ድማ ማህለኻታት ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ዝኾኑ ብፍላይ ግብረ ራዕዲን ኣብ ለውጢ ንብረት ኣየር ብሓባር ንምስራሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ኣፈ ጉባኤታት ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ሃገሮም ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር እውን ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

ብቀንዱ ድማ ከም ፓርላማ መንግስታት ሃገራት ኣፍሪካ፣ ካሪቢያን ፓስፊክን ዝበላ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምዝታዮም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.