Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሞሮኮን ብባህሊ፣ ታሪክን ሃይማኖትን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሞሮኮን ብባህሊ፣ ታሪክን ሃይማኖትን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ብኣተሓባባርነት ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ሞሮኮ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ መግባር ዘሎ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ኢንዶውመንትን ሃይማኖትን ሞሮኮ ኣሕመድ ተውፊቅ ዘቲዩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር)፥ ባህሊን ሃይማኖትን ህዝቢ ሞሮኮ መስ ኢትዮጵያ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ክብሪታት ኣብ መንጎ እተን ሃገራት እናማዕበለ ዝመፅአ ክልቲኣዊ ርክብ ምቕፅል ከመዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣሕመድ ተውፊቅ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንነቢዩ መሓመድ ዝገበረቶ ውዕለታ ኣብ ልቢ መልላእ ሙስሊም ማሕበረሰብ ክትኣቱ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያን ሞሮኮን ብባህሊ፣ ታሪክን ሃይማኖትን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ትካሎም ምስ ሚኒስቴር ሰላም ብሓባር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.