Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ኣብ ዓውዲ ኦዲት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኦዲተር ፌዴራል ወ/ሮ መሰረት ዳምጤ ምስ ሓላፊ ትካል ዋና ኦዲተር ሕቡረታ ኤሚሬታት ዓረብ ሓሚድ ኣቡሺቢስ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ክልቲኦም ትካልት ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሎም ኦዲትን ተዘመድቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ትካላት ዋና ኦዲተር እተን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ብዝውግኑዎም ሓበራዊ ስራሕቲን ልውውጣት ልምዲን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ተገሊፁ፡፡

ብፍላይ ኣብ ስልጠና ትካልን ህንፀት ዓቕሚን፣ ኣብ ኦዲት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፣ ዝተፈላለዩ ወርክሾፓትን ሴሚናራትን ኣብ ምስንዳእን ኣብ ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ንምስራሕን ንምትሕግጋዝን ከምዝተስማዕምዑ ሓበሬታ ዋና ኦዲተር ፌዴራል የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.