ኢትዮጵያን ህንድን ብዓውዲታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ህንድን ብዓውዲታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንና ቴክኖሎጂ ዶክተር ባይሳ በዳዳ፥ ኣብ ደቤባዊ ህንዲ ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ትካላት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ተዛቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ እቲ ሚኒስቴር ብዓውዲታት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ።
ህንዲ ንቤት ትምህርዪ ፍሉይ ክእለት ቡራዩ ብኣካልን ኦንላይንን ደገፍ ዝገብሩ ሰብ ሞያታት ደገፍ ከምእትገብር ኣፍሊጣ።
ዶክተር ባይሳ በዳዳ፥ ኢትዮጵያ ብሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዓውዲታት ምስ ህንዲ ብመትከት ሂብካ ምቕባል ብትሕብብር ንምስራሕ ትደሊ ኢያ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።