Fana: At a Speed of Life!

ኢሰመኮ ህወሓት ኣብ ዞባታት ሰሜን ወሎን ደቡብ ጎንደርን ንፁሃን ከምዝቐተለን ዘረፋን ዕንወትን ንብረት ከምዝፈፀመ ኣረጋጊፀ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት  ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባታት ሰሜን ወሎን ደቡብ ጎንደርን ንፁሃን ከምዝቐተለን ዘረፋን ዕንወትን ንብረት ከምዝፈፀመ ኣረጋጊፀ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ገበን ኲናት ከምዝኾኑ ዘመላኽቱ ኩነታት ከምዘለዉ እውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምስ ምስፍሑ ተተሓሒዙ ብሓይሊታት ህወሓት ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገበሮ ምርመራ ሪፖርት ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ።

ከሰኔ 21 ቀን እስከ ነሃሴ 22 ቀን 2013 ዓ.ም ባለው ጊዜ የሚሸፍነው ይህ ሪፖርት እስከ ነሃሴ 30 ቀን 2013 ዓ.ም ድረስ በተካሄደ ምርመራ 128 ቃለመጠይቆችን፣ ከተጎጂዎችና ቤተሰቦቻቸው፣ ከአካባቢው ነዋሪዎች፣ የሲቪል እና የፀጥታ አካላት፣ ከሲቪክ ማኅበረሰብ አባላት፣ ከተራድኦ ድርጅቶች ጨምሮ 21 የቡድን ውይይቶችን አድርጓል

ካብ 21 ሰነ ክሳብ 22 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ዝሽፍን እቲ ፀብፃብ፥ ክሳብ 30 ነሓሰ 2013ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ምርመራ 128 ቃለ መሕትታት፣ ካብ ስድራ ተጎዳእቲ፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ፣ ሲቪልን ፀፅታን ኣካላት፣ ትካላት ተራድኦ ሓዊሱ 21 ናይ ጉጅለ ልዝባት ገይሩ ኢዩ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ሪፖርቱ ከምዘማኸቶ፥ ምርመራ ኣብ ዘድሀበሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብዝተገበረ ኲናት ብውሑዱ 184 ንፁሃን ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ፤ ከምኡ እውን ብዙሓት ሰባት ጉድኣት ኣካልን ጉድኣት ስነ-ኣእምሮን ከምዝበፅሖም ገሊፁ።

ሰፊሕ ዘረፋን ዕንወትን ንብረት ከምዝፈፀሙ እውን ገሊፁ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.