Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ 25 ክሳብ 26 መስከረም 2017 ዓ.ም ከምዝኽበር ሕብረት ኣባገዳታት ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ 25 ክሳብ 26 መስከረም 2017 ዓ.ም ከምዝኽበር ሕብረት ኣባገዳታት ኣፍሊጡ።

እቲ ስነ ስርዓት ምኽባር ጠሚቱ ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ፥ 25 መስከረም ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ብፅባሒቱ 26 መስከረም ድማ ኢሬቻ ሆረ ኣርሰዴ ብድምቀት ክኽበር ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ሕብረት፥ ኣብ ሆረ ፊንፊኔን ሆረ ኣርሰዴን ንዝኽበር በዓል ቅድመ መድላው ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል ብሰላም፣ ሓድነት፣ ሕውነትን ሕብረትን ምኽባር ከምዝግባእ እቲ ሕብረት ኣተተሓሳሲቡ።

ባህሊዊ ክብሩ ብዝሓለወ መገዲ ኣልባሳት እቲ በዓል ብምኽዳን ምኽባር ከምዝግባር ብምግላፅ፥ እቲ በዓል ፈጣሪ ዝምስገነሉ ምስ ስድራ ክሳብ ሃገር ዕርቀ ሰላም ዝፍፀመሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን እቲ በዓል ብሓባር ንከኽብር ፃውዒት ቀሪቡ።

ብማርታ ጌታቸውን ፈትያ ዓብደላን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.