Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ዕርቀ ሰነያ፣ ምስጋና፣ ሓድነትንሃፍቲ ህዝብን ብምዃን ክንጥቀመሉ ይግባእ – ኣይተ  ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ዕርቀ ሰነያ፣ ምስጋና፣ ሓድነትንሃፍቲ ህዝብን ብምዃን ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ  ሽመልስ ኣብዲሳ ኣፍሊጦም።

ኣይተ ሽመልስ በዓል ኢሬቻ  ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈም።

ህዝቢ ኦሮም ዝማዕበለ ባህሊን ክብሪን፣ ስርዓት ምምሕዳር ገዳ ዝፈጠረ፣ ዝመሓደረሉን ዘመሓድረሉን፣ ኩለ መዳይ ፍልስፍና፣ ሚዛን ፈጣሪን ተፈጥሮን ብምሕላው ዕለታዊ ናብርኡ ዝፍፅም ህዝቢ ኢዩ ኢሎም።

ክረምቲ ሓሊፉ ብርሃን እንትመፅእ፣ ሓጋይ ሓሊፉ ኣኸዛ እንትኸውን፣ ህዝቢ ኦሮሞ መፃአ ዘበን ብሩህ ተስፋ ዝኾነ ኢሬቻ ከምዘኽብር ተዛሪቦም።

ኢሬቻ  ከብ ፀልማት ናብ ብርሃን ምውፃእ ከምዘርእይ ብምሕባር፥ ኣዝርእቲ ዝሸውየሉ፣ ወሓዚ ሩባ ዝቕንሰሉ፣ ተረሓሒቖም ዝኸረሙ ኣዝማድ ዝራኸብሉ ብምኻኑ ተስፋ ደቂ ሰባት ምሕዳስ ብበዝሒ ዝረኣየሉ ኢዩ ኢሎም።

ኢሬቻ ናይ ሰላም፣ ዕርቀ ሰነያ፣ ምስጋና፣ ሓድነትን ሃፍቲ ህዝብን ብምዃን ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.