Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብድምቀት ንክኽበር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) 25 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ብድምቀትን ብሰላምን ንክኽበር ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ሓይሊ ፀፅታ ኣፍሊጡ።

ኣካላት ፀፅታ ዝገብርዎም ተግባራት ኣብ ዝተዳለወ ትልሚ ይካየድ ኣሎ።

ነቲ መድረኽ፥ ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ምክልኻል ገበን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ   ም/ኮሚሽነር ጀነራል መላኩ ፋንታ߹ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱን ሓላፊት ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ሊዲያ ግርማ መሪሐሙዎ።

እቲ በዓል ባህላዊ ስርቱ ሓሊዩ ንክኽበር ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ሓይሊ ፀፅታ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተገሊፁ።

ናይቲ በዓል ገፅታ ብምብልሻውን ጎንፂ ዘበግሱ ፅሑፋትን መልእኽቲታትን ከምኡውን ምስቲ በዓል ርክብ ዘይብሉ ናውቲታት ናብቲ በዓል ዝኽበረሉ ከባቢ ምምፅእን ዝተኸልከለ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ በዓል ንእኩይ ዕላማ ንምጥቃም ዝግበሩ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት ተቐባልነት ከምዘይብሎምን እዚ ንምግባር ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ሕጋዊ ሱግምቲ ከምዝውሰድ ተሓቢሩ።

ንሰላም ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣጠራጠርቲ ነገራት እንተጋጥሙ ብ011-1-26-43-59 ፣ 011-5-52-63-02/03፣ 011-5-52-40-77፣ 011-5-54-36-78 ን 011-5-54-36-81 ከምኡውን ብናፃ መስመር ስልኪ 987፣ 991 ን 816  ሓበሬታ ብምሃብን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባር ህዝቢ ግድኡ ንክዋፃእ መልእኽቲ ተሓላሊፉ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.