Fana: At a Speed of Life!

ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚን ትካላትን እንግሊዝ ማዕቀብ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢራን ግብረ ራዕዲ ደጊፎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ሰብ መዚን ትካላትን እንግሊዝ ማዕቀብ ኣንቢራ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን÷ ግብረ ራዕዲን ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያንን ብምድጋፍ፣ ብምልዕዓል፣ መጥቃዕቲን ፅልኢን ብምቕስቃስን ኣብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ውልቀ ሰባትን ትካላትን እንግሊዝን ማዕቐብ ኣንቢሩ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ÷ እቲ ስጉምቲ ዝተወሰደ ሕጊን ድምቢን መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር÷ ኣብ እንግሊዝ ኮይኖም ናዕቢን ራዕዲን ብምቕስቃስ፣ ራዕዳውያን ብምውዳብን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምሕጋዝን ንዝፍፅሙ ተግባራት መንግስቲ እንግሊዝ ተሓታቲ ገይራ፡፡

ብሄራዊ ማእኸል ድሕንነት ሳይበር ብሪታኒያ፣ ዋናቤት ዕዮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ብሪታኒያ፣ ቮላንት ሚዲያ፣ ግሎባል ሚዲያን ዲ ኤም ኤ ሚዲያን ማዕቐብ ዝተነበረሎም ትካት ኢዮም።

ቅዋም ፀረ ኢራን የሰጉሙ ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ከም ቢቢሲ ፐርሺያን ቴሌቪዢን ኢራን ኢንተርናሽናል ዝበሉ ጣቢያታትን እውን ኣብቲ ማዕቐብ ከምዝተኻተቱ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.