Fana: At a Speed of Life!

ኢራንን ሩሲያን ስምምዕነት 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዕድጊት ጋዝ ግዥ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራንን ሩሲያን ስምምዕነት 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዕድጊት ጋዝ ግዥ ከምዝተፈራሪማ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ በዓል መዚ ቴህራን÷ ዓብዪ ኩባኒያ ኣፍራዪ ጋዝ ሩሲያ ምስ ዝኾነ ጋዝፕሮም 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዕድጊት ጋዝ ግዥ ንምፍፃም ውዕሊ ከምዝፈፀመት ኣፍሊጦም፡፡

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን መህዲ ሳፋሪ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስምዕነት እተን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓለ ዝተፈራረመኦ ሰነድ ስምምዕነት 40 ቢሊየን ዶላር ሓደ ኣካል ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ፕሬዚዳንት ፑቲን ምስ ኢራንን ቱርኪን መዘናታቶም ንምዝታይ ናብ ቴህራን ኣብ ዝኸዱሉ እዋን÷ ኢራንን ሩሲያን 40 ቢሊየን ዶላር ዕድጊት ነዳዲ ንምፍፃም ስምምዕነት ከምዝገበራ ይዝከር፡፡

ኢራን ካብ ሩሲያ ቀፂላ ኣብ ዓለም ካልአይቲ ክዙን ጋዝ ዘለዋ ሃገር ምዃና ፕረስ ቲቪ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.