Fana: At a Speed of Life!

ኢማኑኤል ማክሮን ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ዝኸዘነኦ ክታበት ቫይረስኮሮና ካብ 4 ክሳብ 5 ሚኢታዊ ንማዕበልቲ ሃገራት ንኽህባ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ዝኸዘነኦ ክታበት ቫይረስኮሮና ካብ 4 ክሳብ 5 ሚኢታዊ ዝኸውን ንማዕበልቲ ሃገራት ንኽህባ ሓቲቶም።

ማክሮን ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ብመርበብ ሓበሬታ ኣኼባ ቅድሚ ምክያደን ርኢቶኦም ሂቦም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ከምዝገለፁዎ፥ ክታበታት ብግቡእ እንተዘይተኸፋፊሉ ማዕርነት ዓለም ዘጥፍእ ኢዩ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን ክታበት እናተውሃበ ዝርከብ ልዑል ኣታዊ ንዘለወን ሃገራት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መልክዑ ድማ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ኮቫክስ ዝተብሃለ ክታበት ንማዕበልቲ ሃገራት ንምብፃሕ ንምግባር ኣብ ዝግበር ጥምረት 4 ቢሊየን ዶላር ክልግሳ ኢየን ተባሂሉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን እውን ክታበታት ንኮባክስ ክልግሱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.