Fana: At a Speed of Life!

ኢሎን መስክ ዕድጊት ትዊተር ብ44 ቢልዮን ዶላር ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለምና እቲ ዝሃብተመ ሰብ ኢሎን መስክ ንትዊተር ብ44 ቢልየን ዶላር ከምዝዓደጐ ተገሊፁ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ትዊተር ፓራግ ኣግራዋል ዝርከቦም ብዙሓት ሓለፍቲ ትዊተር ካብ ስራሕ ከምዝተሰጐጕ’ውን ይሕበር ኣሎ።

ኢሎን መስክ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ሒሳቦም፥ “እታ ዑፍ ነጻ ኰይና (the bird is freed)” ዝብል ፅሑፍ ብምልጣፍ እቲ ስምምዕ ከምዝተፈፀመ ኣንፈት ሂቡ።

ኢሎን መስክ ኣብ መጀመርታ ንትዊተር ከምዝገዝኦ ድሕሪ ምሕባር፥ ፀኒሑ ግን ካብቲ ስምምዕ ከምዘንሳሓበ ድሕሪ ምግላፁ ምስ ትዊተር ኣብ ከቢድ ምጕት ቤት ፍርዲ እዩ ተሸሚሙ ፀኒሑ።

ኢሎን መስክ ንትዊተር ከምዝገዝኦ ብወገን ትዊተር’ኳ እንተዘይተሓበረ፥ ኣብቲ ትካል ወፍሪ ዝገበረ ሓደ ውልቀ ሰብ ግን ትዊተር ናብ ኢሎን መስክ ምሉእ ንምሉእ ከምዝተሸጠ ኣረጋጊፁ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.