Fana: At a Speed of Life!

ኖርዌያዊ ደራሲ ጆን ፎሴ ብዘፈር ስነ ፅሑፍ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኖርዌያዊ ደራሲ ጆን ፎሴ ብዘፈር ስነ ፅሑፍ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል 2023 ኮይኑ።

እቲ ደራሲ ምዝራብ ዘይኽእሉ ሰባት ብድምፂ ክግንዘቡዎም ዝኽእሉ ተዋስኦታት ፈጠራ ብምፅሓፉ ኢዩ ኣብቲ ዓውዲ ሽልማት ኖቤል ክስዕር ክኢሉ፡፡

ኣወዳደርቲ ዳያኑ እቲ ዓውዲ÷ እቲ ደራሲ ኣብ ዓለምና ካብ ዝርከቡ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ፀሓፍቲ ተዋስኦ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝፀሓፎም ድምፂ ዘለዎም ተዋስኦታት ብብርኪ ዓለም ተቐባልነቶም እናወሰኸ ከምዝኸይድ ተዛሪቦም።

ጆን ፎሴ ብሓፈሻ ስራሕቲ ስነ ፅሑፉ ተዋስኦታት፣ ልበ ወለዳት፣ ግጥሚታት፣ ድርሰታት፣ ትርጉማትን ናይ ህፃናት መፃሕፍቲን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓምዲታት ከምዝፀሓፈ ተመልኪቱ፡፡

ሽልማት ዘፈር ስነ ፅሑፍ 4ይ ሽልማት ኖቤል እዚ ዓመት እንትኸውን÷ ክድም ክብል ኣብ ዓውዲታት ሳይኮሎጂ፣ መድሓኒትን ቅመማምን ሳይንስን ተዓወትቲ ከምዝተፈለዩ ኒውስ ሌተርስ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.