Fana: At a Speed of Life!

ን70 ሽሕ መናእሰይ ተረበሕቲ ዝገብር “ብቃት” ኣብ ልምምድ ኣፈፃፅማ ተግባራዊ ፈተነ ናይ ሓባር መድረኽ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪ ኢንተርፕራይዝ ስራሕን ብምውድድ “ብቃት” ብዝብል ልምምድ ስራሕ መናእሰይ ኣፈፃፅማ ተግባራዊ ፈተነ ናይ ሓባር መድረኽ ተሳሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሚኒስትር ዴኤታ ዓውዲ ዕዳጋን ወፍሪ ስራሕን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን፥ ኣብዛ ሃገር ብቢዓመቱ 2 ሚሊየን መናእሰይ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ከምዝኣትዉ ሓቢሮም።

እዚ ክምለስ ዝኽእል ድማ ስርዓት ዕዳጋ ብምዝርጋሕ፣ ንመናእሰይ ብምሕጋዝን ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ውልቀ ሰብ-ሃብቲ ምብርትታዕን ይግባእ ኢሎም።

ብፍላይ ብምኽንያት ፀገማት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ትምህርቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ፣ ኮሌጅ ቴክኒክን ሙያን ኣትዮም ክመሃሩ ዘይከኣሉ መናእሰይ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ተቐሪፁ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ፤ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ናይ ምምችቻው ትግበራ ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣልዒሎም።

ብምዃኑ ድማ ብተግባር ፈተነ ዝተረኸበ ውፅኢት ዓብዩ መርኣያ እዩ ከምዝበሉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ፕሮጀክት ብብርኪ ሃገር ን70 ሽሕ መናእሰይ ተረባሕቲ ዝገብር እንትኸውን፤ ካብ ውሽጢ እዚኦም 49 ሽሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 21 ሽሕ ድማ ኣብ ክልላት ብርኪ ፈተነ ዝትግበሩ ከምዝኾኑ እውን ተላዒሉ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.