Fana: At a Speed of Life!

ን7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ን7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ናይ ምብፃሕ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ብዓርሰ ዓቕሚ ንተረዳእቲ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ስራሕ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ኣመልኪቶም።

እቲ ሓገዝ ብምኽንያት ክሌማዊ ለውጢን ውሕጅን ንትፅቢት ሓገዝ ዝተቓልዑ ዜጋታት ከምዝበፅሕ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ክልሎች ዝርከቡ ከባቢታት ብድርቂ እንትጥቅዑ፥ ኣብ ሸውዓተ ክልላት ድማ ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጠመን በዚ ድማ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ንትፅቢት ርዳእታ ተቓሊዖም።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 4 ሚሊየን ዝኾኑ ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም።

ብትእግስት ኣብርሃም

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.