Fana: At a Speed of Life!

ን5 ባንኪ ዘይኮኑ ቢሮታት ፍቓድ ስራሕ ሸርፊ ወፃኢ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ባንኪ ዘይኮኑ ቢሮታት ፍቓድ ስራሕ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ኣገልግሎትን ተበፃሕነትን ሸርፊ ወፃኢ ንምስፋሕን ሸርፊ ወፃኢ ዝርከበሉ ዕድል ንምስፋሕን ኣብ ስራሕ ካብ ዘለዉ ባንኪታት ብተወሳኺ ምስ ባንኪ ዝምድና ዘይብሎም ውልቀ ቢሮታት ሸርፊ ወፃኢ ንምኽፋት ዘኽእል መምርሒ ሸርፊ ወፃኢ ከምዘውፀአ ኣዘኻኺሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣድላዪ መለክዒ ከምዘማልኡ ብምርግጋፅ በቲ መምርሒ ንኡስ ዓንቀፅ 4.2 መሰረት ንኽንቀሳቐሱ፤ ንዱግዳ ፊደሊቲ ኢንቨስትመንት ፒኤልሲ፣ ኢትዮ ኢንዲፔንደንት ፎሬይን ኤክስቼንጅ ቢሮ፣ ግሎባል ኢንዲፔንደንት ፎሬይን ኤክስቼንጅ ቢሮ፣ ሮበስት ኢንዲፔንደንት ፎሬይን ኤክስቼንጅ ቢሮን ዮጋ ፎሬክስ ቢሮነረ ፍቓድ ከምዝተውሃበ ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.