Fana: At a Speed of Life!

ን40 ሺሕ ኣረጋውያን ሕክምና ዓይኒ ከምዝወሃብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሎሚ መዓለወቲ ጀሚሩ ክሳብ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ን40 ሺሕ ኣረጋውያን ናፃ ሕክምና ዓይኒ ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትነዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴርን ዓለም ለኸ ፋውንዴሽን ኣልባሳርን ብሓባር መግለፂ ሂቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትነዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ኣሊ÷ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣረጋውያን ዜጋታት ኣብ ተመላለስቲ ሕክምና፣ ሕክምና መጥባሕቲ ዓይኒ፣ ግልጋሎት ሌንስን መነፅርን በቢዓመቱ እናተውሃበ ምፅንሑ ኣብሪሀን፡፡

ኣብዚ ዓመት እውን ክልላት ትግራይ፣ ሶማሌ፣ ዓፋርን ካልኦት ከባቢታትን ብሕክምና መጥባሕቲ ነፍሪ ዓይኒን ሓገዝ መነፀርን ከምኡ እውን ካልኦት ግልጋሎታት ከምዝወሃቡ ገሊፀን፡፡

ማእኸል ሕክምና ዓይኒ ኢንተርናሽናል ፋውንዴሽን ኣልባሳር ብኣተሓባባራይነት ያሲን ፋውንዴሽን ምስቲ ሚኒስቴር ብምዃን ፀገም ጥዕና ኣረጋውያን ንምፍታሕ ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ምርመራን ሕክምናን ዓይኒ ብመሃብ ኣረጋውያን ተጠቀምቲ ንምግባር ከምዝተኻእለ ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.