Fana: At a Speed of Life!

ን160 ሺሕ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 160 ሺሕ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲድ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምውፋር ስራሕ ከምዝገበሩ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ከምዝገለፁዎ÷ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልተኣዊ ስምምዕነት ብምግባር ዜጋታት መሰሎም፣ ክብሮምን ድሕንነቶምን ተሓሊዩ ክሰርሑ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ።

በዚ ድማ ዕዳጋ ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ኣብ ምትእልላሽ፣ መብፅሒ ሃገራት ብምፍላይን ክልተኣዊ ስምምዕነት ምፍፃም ዜጋታት ሕጋዊ ዕድል ስራሕ ንኽረኽቡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ፀሪሖም፡፡

ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ዜጋታት መለለዪ ስራሕ ክህልዎምን እኹል ስልጠና ክረኽቡን ብምግባር ስርዓት ግልፅነት ክዝርጋሕ ከምዝገበረ ኣልዒሎም።

ምስ 6 ሃገራትን ዝተፈላለያ ትካላትን ክልተኣዊ ስምምዕነት ብምፍፃም ኣብ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብዚ በጀት ዓመት ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ዝገበሩ ዜጋታት ቁጥሮም ካብ 160 ሺሕ ከምዝዛየደ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.