Fana: At a Speed of Life!

ንፕሮጀክት ልምዓት ሓይሊ ሃፋ ቱሉ ሞዬ ዝኸውን ደገፍ 10 ሚሊየን ዶላር ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ፕሮጀክት ልምዓት ሓይሊ ሃፋ ቱሉ ሞዬ ዝኸውን ደገፍ 10 ሚሊየን ዶላር ተፈቒዱ።

እቲ ፕሮጀክት እንትዛዘም 150 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ኢዩ ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ እቲ ደገፍ ገንዘብ ጉጅለ ቦርድ ዳይሬክቶሬት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብቲ ጉዳይ ድሕሪ ምዝታዩ ከምዝፀደቐ ተገሊፁ።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብመሰረት ዘቐመጦ መዐቀኒ እቲ ፕሮጀክት ኣማሊኡ ምርካቡ ንምድጋፍ ከምዘኽኣሎ ቲንክ ጂኦ ኢነርጂ ፀብፂቡ።

ፕሮጀክት ልምዓት ሓይሊ ሃፋ ቱሉ ሞዬ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሸነኽ ደቡብ ምብራቕ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.