Fana: At a Speed of Life!

ንፕሬዚዳንት ሞሃመድ ኡልድ ኤል ጋዙዋኒ መርሃ ግብሪ ሰናይ ትምኒት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ንዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሞሃመድ ኡልድ ኣል ጋዙዋኒ ኣቦ መንበር እቲ ዓመት ኮይኖም ብምምራፆም ሎሚ መዓልቲ ናይ ’እንኳዕ ደስ በለኩም’ መርሃ ግብሪ ሰናይ ትምኒት ተኻይዱ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት÷ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክ ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖን ተረኺቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ሞሃመድ ኡልድ ኣል ጋዙዋኒ ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበሮም ፃንሒት ሕጉስ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ንዝተገበረሎም እንግዶት ምስጋና ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፕሬዚዳንት ሞሪታኒያ ሞሓመድ ኡልድ ኤል-ጋዝዋኒ ኣቦ መንበርነት 2024 ሕብረት ኣፍሪካ ካብ ፕሬዚዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሶማኒ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዕሊ ከምዝተረከቡ ይፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.