Fana: At a Speed of Life!

ንፓርኪታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ፍርያት ሕርሻ ሓይሊ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ንፓርኪታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ፍርያት ሕርሻ ሓይሊ ንምቕራብ ዝተፈላለዩ ይስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ንክምረቑ ድሉው ንዝኾነ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ፍርያት ሕርሻ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ክልተ ኣማራፂታት ተታሒዞም መፅናዕቲ እናተኻየደሎም ምፅንሑ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ትካል ኣይተ ሞገስ መኮንን ገሊፆም፡፡

ነቲ ፓርክ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ካብ መከፋፈሊ ሓይሊ ጣቢያ ባህርዳር ብዳንግላ-ቡሬ ኣቢሉ 69 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን በዓል 132 ኪሎ ቮልት መስመር ከምኡ እውን ካብ ጣቢያ መከፋፈሊ ሓይሊ ደብረ ማርቆስ ናብቲ ፓርክ ዝኸይድ 92 ኪሎ ሜትሮ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ምዝርጋሕ ኣማራፂታት ተፈሊዮም ትንተና ቴክኒክን ፋይናንስን ከምዝተኻየደሎም ተዛሪቦም፡፡

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ትንተና ድማ ካብ ደብረ ማርቆስ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መከፋፈሊ ጣቢያ ጀሚሩ ክሳብ ፓርኪ ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ፍርያት ሕርሻ ቡሬ መስመር መተሓላለፊ ኤሌክትሪክን መከፋፈሊ ጣቢያን ንምህናፅ ከምዝመረፀ ኣይተ ሞገስ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፕሮጀከት ንምስራሕ ዓለም ለኸ ጨረታ ንኽወፅእ ተገይሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ መስመር መተሓላለፊ ኤሌክትሪክን መከፋፈሊ ጣቢያን ሃኒፆም ንምርካብ ብቕዓት ዘለዎም ተቛረፅቲ ስራሕ ክሳብ 5 ለካቲት 2013 ዓ.ም ክፍቲ አብ ዝተገበረ ጨረታ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

የወሰን ማስከበር ጉዳይ ለፕሮጀክት ግንባታ መጓተት ምክንያት እንዳይሆን ከወዲሁ ሥራዎች ተጀምረዋል ነው ያሉት፡፡

ንፓርኪታት ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ፍርያት ሕርሻ ቡሬ፣ ቡልቡላን ይርጋለምን ሓይሊ ንምቕራብ ዝሰዓረ ተቛረፂ ምስተፈለየ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ንምዝዛም እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.