Fana: At a Speed of Life!

ንፃውዒት ኣዋጅ ክተት ነበርቲ ክልል ደቡብ ብዝለዓለ ስምዒት ምላሽ ይህቡ ምህላዎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍቢሲ)ንጉጅ ግብረ-ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ዝተፀውዐ ኣዋጅ ክተት ነበርቲ ክልል ደቡብ ብልዑል ትኹረት ምላሽ ይህቡ ምህላዎም ኣብ ክልል ደቡብ ተፀዋዒ መንስቲ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ገሊፆም።

ኣይተ ጥላሁን ከበደ ከምዝበልዎ፤ ከም ክልል ደቡብ ፃውዒት ንወፍሪ ህልውና ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ እቲ ህዝቢ ብልዑል ስምዒት ደጀን ሰራዊት ምክልኻል ካብ ምዃን ብተወሳኺ ወዱ፣ ሓዉን ሓፍቱን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ንክዀኑ ይገብር ኣሎ።

ብተወሳኺ እውን ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ድጋፍ ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ኣስታት 282 ሚሊየን ብር ብገንዘብን ዓይነትን ምእካብ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።

“ፃውዒት ክተት ብምቕባል ብናይ ባዕልና ስንቕን ሎጂስቲክን ናብ ግንባር ክንወፍር ኣለና” ብዝብል ልዑል ተበግሶ ድሕሪ ምፍጣር ዝተወደበ ሰራዊት ግንባር ተሰኒዩ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ጥላሁን።

ልኡኽቶ ሃገር ምፍራስ ሒዙ ናብ ኲናት ዝኣተወ ፈጣሪ ራዕዲ ህወሓት ሸሊኾም ዝኣትዉ ብምልኣኽ  ኣብቲ ክልል ኣብ ዘለዉ ዞባታትን ፍሉይ ወረዳታትን ዕግርግር ብምፍጣር ንከይፈጥር እቲ ማሕበረሰብ ከባቢኡ ብንቕሓት ይሕልው ኣሎ ምባሎም ትካል ሬዲዮን ቴሌቪዥንን ደቡብ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.