Fana: At a Speed of Life!

ንጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዝተሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 13 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብዚ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ክልተ ኣዋርሕ ናብ ሱዳንን ጂቡቲን ዝቐረበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 13 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝተሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

መካየዲ ስራሕ ቢሮ ምምሕዳር ዓማዊልን መምርሒ መሸጣን እቲ ትካል ምኒሊክ ጌታሁን÷ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ንሱዳንን ጂቡቲን ልዕሊ 349 ነጥቢ 56 ሚሊየን ኪሎ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ 232 ነጥቢ 76 ሚሊየን ኪሎ ዋት ሰዓት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ 13 ነጥቢ 04 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ መሸጣ ብምክያድ 70 ነጥቢ 29 ሚኢታዊ ትልሙ ከዕውት ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ክልቲኦም ኣዋርሕ ንጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ካብ ዝተረኸበ ኣታዊ ብተወሳኺ ካብ መሸጣ ውሽጢ ሃገርን ክራይ ፋይበር ኦፕቲክስን 2 ነጥቢ 74 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ ምግላፁ ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.