Fana: At a Speed of Life!

ንግብረ ራዕዲ ሕወሓት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ሕወሓት ንሳልሳይ ዙር ዝኾፈቶ ኲናት ዝኹንንን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስጉምቲ ክትወስድን ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተኻይዱ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ÷ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኤርትራውያን ተሳቲፎም።

እቶም ሰልፈኛታት “ኣሜሪካ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝጀመሮ ኲናት ብዕሊ ብምኹንን ንኣፍረስቲ ተግባራቱን ተሓታቲ ክትገብር ኣለዋ” ብምባል ሓቲቶም።

ዝተፈላለዩ ጭርሖታት እውን ኣስሚዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.