Fana: At a Speed of Life!

ንጋንታ ስፖርት መቻል 1 ቢሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምንቅስቓስ “መቻል ንኢትዮጵያ”  ንጋንታ ስፖርት መቻል 1 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተገሊፁ፡፡

እቲ ምንቅስቓስ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 99 ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

ኣካቢ ቦርድ ጋንታ ስፖርት መቻል ሰይፈ ጌታሁን (ዶ/ር)÷ ምንቅስቓስ መቻል ንኢትዮጵያ ብዝተሓሰቦ መርሃ ግብሪ ከምዝተኻየደ ብምሕባር፤ እቲ መርሃ ግብሪ  ንኽዕወት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ ናብ 1 ቢሊየን ብር ዝፅጋዕ ገንዘብ ከምዝተኣከበ ዝገለፁ ሰይፈ (ዶ/ር)÷ ኣካል መበል 80 ዓመት ክብረ በዓል ንጋንታ ስፖርት መቻል ዝኾነ “መቻል ንኢትዮጵያ” ውድድር ጉያ በቢዓመቱ ከምዝካየድ ሓቢሮም።

እታ ጋንታ ናይ ባዕሉ መለማመዲ ስታዲየምን ኣካዳሚን ንኽህልዎ ምግባር ቀንዲ ዕላማ ብምዃኑ እዚ ንምዕዋት ከምዝሰርሕ ምግላፆም እውን ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.