Fana: At a Speed of Life!

ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ዋና ዳይሬክተርነት ውድብ ጥዕና ዓለም ንምልዓል ዝዓለመ ወፍሪ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰብአዊነት ዝተፈጸሙ ገበናት ተሓታቲ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ወጻኢ ኮይኖም እናመርሑ ዝርከቡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ዋና ዳይሬክተርነት ውድብ ጥዕና ዓለም ንምልዓል ዝዓለመ ወፍሪ ይካየድ ኣሎ።

ፈተውቲ ሃገር ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ከምኡ እውን ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ብብርኪ ዓለም ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብዝተፈፀሙ ገባናት ተሓታቲ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተግባራቱ ብመረዳእታ ብመሓዝ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ተሓተትቲ ንምገባር እናተንቀሳቐሱ ይርከቡ።

ስለዝኾነ ድማ መምርሒ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝእዝዞ ዘይሻራዊነት፣ ተኣማንነትን ግልፀኝነትን ወፃእ ብምስራሕ ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ወፃኢ ሓገዝን ኣመራርሓን እናሃቡ ንዝርከቡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ተሓታተቲ ንምግባር ወፍሪ ምትእኽኻብ ፌርማ እናተኻየደ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዶክተር ቴድሮስ ዓለም ለኸ ሓላፍነቶም ተጠቒሞም እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፍፅሞም ዓለም ለኸ ገበናት ብምሽፋንን ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ክጠቕሙ ዝኽእሉ ትካላት ጥዕና በቲ ግበረረ ራዕዲ እናዓነዉ ከምዘይረኣየ ብምሕላፍ ነቲ ጉጅለ ሽፋን ምሃቦም፥ እቲ ወፍሪ ናብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝልእኾ ምትእኽኻብ ፌርማ ኣመልኪቱ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ሕጋዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ንምውራድ ኣብ ዘካይዶ ምንቅስቓስ ዶክተር ቴድሮስ ሓላፍነቱ ብምጥቃም ድጋፍ እናሃበ ከምዝርከብ ዝሓበረ እቲ ወወፍሪ፥ ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም ንኸሕተቱ ኣተሓሳሲቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.