Fana: At a Speed of Life!

ንዶብ ተሻገርቲ ገናሕቲ መኪናን ሓገዝቶምን ምስ ኮቪድ-19 ብዝተተሓሓዘ ኢንሹራንስ ህይወት ከምዝእተወሎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ንዶብ ተሻገርቲ ገናሕቲ መኪናን ሓገዝቶምን ምስ ኮቪድ-19 ብዝተተሓሓዘ ኢንሹራንስ ህይወት ከምዝእተወሎም ሚኒስቴር ትራንስፖርት ገሊፁ።

እቲ ኢንሹራንስ ህይወት ኣብ ቀረባ እዋን ተግባራዊ ከምዝግበርን ብሰብ ዋናናን ኩባኒያታትን ብዝኽፈል መጠን ኣርቦን ዝሽፈን ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ እቶም ገናሕቲ መኪናን ሓገዝቶምን ብምኽኒያት ኮሮና ህይወቶም እንትስእኑ ንቤተሰቦ ገናሕቲ መኪና 250 ሺሕ ብር፣ ንሓገዝቲ ድማ 150 ሺሕ ብር ካሕሳ ክረኽቡ ኢዮም።

ሸሞንተ ኩባኒያታት እቲ ስራሕ ኣቐዲሞም ንምጅማር ዘቕእል ቅድመ ምድላዎም ከምዝዛዘሙ ተሓቢሩ።

እቲ ኢንሹራንስ ንሓደ ዓመት ዘገልግል እንትኸውን፥ ከከምኣድላይነቱ በቢዓመቱ ዝሕደስ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.