Fana: At a Speed of Life!

ንድሕንነት ህዝቢ ተባሂሉ ዝተጀመረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝኾነ ይኹን ውሽጣን ደጋዊን ፅዕንቶ የብሉን – ዶክተር ይልቃል ከፋለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተጀመረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝኾነ ይኹን ውሽጣን ደጋዊን ፅዕንቶ ዘይብሉን ቀንዲ ዕላምኡ ንምኽባር ድሕንነትን ሰላምን ህዝቢ ተባሂሉ  ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ገሊፆም።

ሰላም ንኹሉ መሰረት ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ብዘይ ሰላም ኢኮኖሚያዊ ልምዓታትን መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ብዝተማልአ ኩነታ ምስላጥ ከምዘይከኣል ተዛሪቦም።

ዘይሕጋውነትን ስርዓት ኣልቦነትን ምቁፅፃር እንተተኻኢሉ ሕቶታት ልምዓት ደረጃ ብደረጃ ምስራሕ ከምዝከኣል ንሓረስቶት ዝተረከቡ ትራክተራት ከምመርአዪ ብምፅራሕ ኣገንዚቦም።

ዶክተር ይልቃል ÷ በክልሉ የተጀመረው የህግ ማስከበር ሥራ ሠላም እና ደኅንነትን በዘላቂነት ከማረጋገጥ ውጭ የተለየ ሤራ እንደሌለውም ተናግረዋል

ዶክተር ይልቃል፥ ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ብዘላቕነት ካብ ምርግጋፅ ወፃእ ዝተፈለየ ሽርሒ ከምዘይብሉ እውን ተዛሪቦም።

ኩሉ ሰብ ነዚ ተገንዚቡ ኣብ ጎኒ ውዳበ ፀፅታ መንግስቲ ኮይኑ ንኽድግፍ እውን ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.