Fana: At a Speed of Life!

ንዲፕሎማሰኛታትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናገበሮ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ህንፀትን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ እናገበሮ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ህንፀትን ዝምልከት መብርሂ ንዲፕሎማሰኛታት፣ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣካላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ተዋሂቡ።

ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ሰላምን፥ ምስ ኣምባሳደራት ዓለም ለኸ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክልት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፥ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣብ ዓውዲታት ጥዕና፣ ትምህርቲን ሕርሻን እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ክልል ትግራይ ህፁፅ መልሲ ንመሃብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዝን ተቛሪፆም ዝነበሩን ኣገልግሎታትን ናብ ዝነበሩዎ ንምምላስ ብዙሓት ውፅኢታዊ ተግባራት ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

ዝድለ ውፅኢት ንምምፃእ፥ ሓገዝ መሓዙት ኣካላት ብፍላይ ዓለም ለኸ ትካላትን ፈተውቲ ሃገራትን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ሰላምን ኣካቢት መተሓባበሪ ከ0ሚቴ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ብግደአን፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ነ4 ሚሊየን ዜጋታት፤ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ድማ 4 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታት ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን፡፡

ኣቢያተ ትምህርቲን ጣቢያታት ጥዕናን ተዋዲደን ናብ ስራሕ ንኸኣትዋ ከምዝተገበረ፣ ንክረምታዊ ሕርሻ ዝኸውን ዘርኢን ዘበናዊ ዱኽዒን ከምኡ እውን ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ከምዝተኸፋፈለ እውን ገሊፀን፡፡

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.