Fana: At a Speed of Life!

ንዝተፈላለዩ ትካላትን ኤምባሲታትን ኣፍሪካ ዝተውሃቡ ቦታታት ብህፁፅ ናብ ህንፀት ንክኣትዉ ዘድሊ ድጋፍ ክግበር ኢዩ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ ንዝተፈላለዩ ትካላትን ኤምባሲታትን ኣፍሪካ ዝተውሃቡ ቦታታት ብህፁፅ ናብ ህንፀት ንክኣትዉዘድሊ ድጋፍ ክግበር ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ዝጀመረ መበል 40 መድረኽ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ በዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዛዕባታት ይላዘብ ከምዘሎ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋዕን፣ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኮቪድ-19፣ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ኣፈፃፅማ ኣጀንዳ 2063 ከምኡውን ኣጠቓቕማ በጀት ዘተኮረ ኢዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ንዝተፈላለዩ ትካላትን ኤምባሲታትን ኣፍሪካ ዝተውሃቡ ቦታታት ብህፁፅ ናብ ህንፀት ንክኣትዉ ዘድሊ ድጋፍ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ፅሑፍ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ምርግጋፃ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.