Fana: At a Speed of Life!

ንዝተፈላለዩ ሃገራት ኣምባሳደራትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ተቐማነቶም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራትን ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ኣፍሪካ፣ እስያን ፓስፊክን ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ገለፃ ተገይሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኩነታት ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ኣመልኪቱ ገለፃ ዝገበሩ ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳር ፀፅታን ሰላምን እታ ከተማ ዶክተር ቀነኣ ያደታ÷ ሰላምን ምርግጋእን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምቕጻል ሓይሊ ፀፅታ እታ ከተማ ምስ ፖሊስ ፌዴራል፣ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካን፣ ፖሊስ ኦሮሚያን ካልኦት ትካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ብዝተዋደደ መልክዑ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ልዕሊ 27 ሺሕ መናእሰይን ህዝባዊ ሰራዊትን ሰላምን ፀፅታን ከባቢኦም ዘኽብሩ ውዳበታት ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ ብሎክ ብምውዳብ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ÷ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ኣብ ዘተኣማምን ሰላም ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ብምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝንዝሑ ናይ ፕሮፓጋንዳን ራዕዲን ወረታት ኣብ መሬት ምስ ዘሎ ዝተረጋገዐን ሰላምን ዘይራኸብ ከምዝኾ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ገሊፆምሎም።

ምክትል ክንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓትን ኢንዱስትሪን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ብግደኦም÷ ኣብ ቀፃሊ ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝገበሩ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ ተመሳሰልቲ ልዝባት፣ መድረኽ ምይይጣት ብፍጣር ብምትሕብባር ክስራሕ ኢዩ ምባሎም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.