Fana: At a Speed of Life!

ንዜጋታት ወፃኢ ብፍሉይ መልክዕ ማእኸል ዝገበረ ኣፈፃፅማ ሕጊ የለን – ኣምባሳዳር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዜጋታት ወፃኢ ብፍሉይ መልክዕ ማእኸል ዝገበረ ኣፈፃፅማ ሕጊ የለን ክብሉ ኣምባሳዳር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ኣብ ዝሃቡዎ ሰሙናዊ መግለፂ፥ ዓለም ለኸ ትካላትን ኤምባሲታትን ምስ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ስዒቡ ቅሬታ እናልዓሉ ምዃኖም ገሊፆም፡፡

እቲ ኣዋጅ ናፅነትን ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ዝወፀ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር÷ ንዜጋታት ወፃኢ ብፍሉይ መልክዕ ማእኸል ዝገበረ ኣፈፃፅማ ሕጊ  ከምዘየለ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ መለለዪ መንነት፤ መንጃ ፈቃድን ሰነዳት ጉዕዞን ክጥቀሙ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዓለም ለኸ ረድኤት ወሃብቲ ትካላት እናልዓልዎም ዝርከቡ ቅሬታታት መሰረት ዘይብሎም ምዃኖምን ሐዚ እውን ምስሊ ሃገር ንምፅላም ዘየለ ነገር ፈጢሮም ፀብፃባት እናሰርሑ ከምዝኾኑን ተዛሪቦም፡፡

“ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኲናት ስነ ልቦና እናካየዱ እዮም” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሓደሓደ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ድፍኢት እናገበሩ ከምዝኾነን ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ብጥምረት እናሰርሑ ምዃኖምን ኣረዲኦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.