ንዘጋጥሙ ፀገማት ሃገር ቦቆል ፍልጠት ብምጥቃም ብሳይንስን ምርምርን ብምድጋፍ መፍትሒ ምሃብ ይግባእ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኮንቬንሽን ምትእስሳር ምርምር፣ ቴክኖሎጂን ኢንዱስትሪን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ የሳለጥ ኣሎ።
እቲ ኮንቬንሽን “ፍልጦ ዝመርሖ ኢኮኖሚ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።
ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልታት ዝፀነሕ እቲ መድረኽ፥ ስራሕቲ ምህዞን ምርምርን ንምትብባዕ፣ ኣፍልጦ ንምሃብን ምትእስሳር ንምፍጣርን ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ፥ 57 ትካላት ምርምርን ቴክኖሎጂን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ዩንቨርስቲታት፣ 51 ትካላት ቴክኒክን ሙያን፣ ሳይንቲስታት መናእሰይ፣ መራሕቲ ኢንዱስትሪታት፣ ሰብ ሃፍቲን ኢንቨስተራትን ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረ
እተን ፕሬዚዳንት፥ ንዘጋጥሙ ፀገማት ሃገር ቦቆል ፍልጠት ብምጥቃም ብሳይንስን ምርምርን ብምድጋፍ መፍትሒ ምሃብ ይግባእ ኢለን።
ኢትዮጵያ ንጥበብ ሓዳሽ ኣይኮነትን ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ሃገር ቦቆል ፍልጠት ብሳይንስን ምርምርን ምድጋፍ እዛ ሃገር ኣብ ትልሚ 10 ዓመት ዝሓዘቶም ተግባራት ኣብ ኢንዱስትሪን ፍልጠትን ዝተደረኸ ማሕበራዊ ምዕባለ ንምዕዋት ሓጋዚ ከምዝኸውን ተዛሪበን።
ነዚ ድማ ንምትእስሳር ትምህርቲ፣ ኢንዱስትሪ ፣ ቴክኖሎጂን ምርምርን መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ክሰርሕ ከምዘለዎ ሓቢረን።
ብኣፈወረቅ እያዩ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።