Fana: At a Speed of Life!

ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 23 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ንምቕራብ ከምዘተሓሰበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 23 ሚሊየን ኩንታል ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ) ንምቕራብ ከምዘተሓሰበ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡

እዚ ድማ ካብዝሓለፈ ዓመት 13 ነጥቢ 9 ሚሊየን ኩንታል ቀረብ መዳበሪያ እንትነፃፀር 9 ሚሊየን ኩንታል ወሰኽ ከምዘለዎ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ፀገም ቀረብ እታወት ከይድገም ንምግባር ከይዲ ዕድጊት ኣቐዲሙ ንምውጋን ዘኽእል ሓዱሽ መምርሒ ኣብ ተግባር ከምዝወዓለ ተገሊፁ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ እታወት ኤንፒኤስ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝሐሸ ዋጋ ሙሉ ብሙሉእ ከምዝተገዝአ ተሓቢሩ።

ዝተረፈ እታወት መዳበሪያ ዩሪያን ሓዊሱ ብዝሐሸ ዋጋ ንምግዛእ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣመልኪቶም።

ብይስማው ኣደራውን መሳፍንት እያዩን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.